ቤት ሻሂ (ካፈተሪያ) ንህይወት ምምቃር ወይ (ናይ ምምባር ድልየት)

መራኸቢ ቦታ ንልዕሊ 60 ዓመት ዝኾኑ ሰባት፡
እዚ ቤት ሻሂ (እንዳ ቡን መስተዪ) ኣብ ኩልቱር ሰንትሩም ሽላኽትሆፍ 61 ኮይኑ ኣብ ታሕተዋይ ደረጃ ናይቲ ገዛ እዩ ዝርከብ። 
ኣብዚ ቦታ'ዚ ዕድሚኦም ልዕሊ 60 ዓመት ዝኾኑ ዝተፈላለየ ባህልታትን ልምድታትን ዘለዎም ሰባት ክራኸቡ ይኽእሉ።
ምኽሪ፡ ትምህርቲ ከምኡ'ውን ኣብ ትርፊ ጊዜኦም ክዘናግዑን ምስ ሰብ ንኽራኸቡ ተጊሆም ንዝሳተፉ ሰባት ሓድሽ ዕድላት ዝፈጥርን ከንቓቕሕ ዝኽእል ኣጋጣሚታት ዝህብን ክፉት ቦታ እዩ።
እዚ ኣብዚ ዝወሃብ ኣስተምህሮታት ብዛዕባ ክበርሃልኩም ትደልይዎ ሓፈሻዊ ሕቶታት ይኹን ከምኡ'ውን ኣብ ምድፋእ ዕድመ ንዘጋጥም ሕቶታትኩም ዘርኢ ጉዳያት ምዝርራብ ኩሉ ምንም ዘይክፈሎ ብነጻ እዩ።

እዚ ቤት ሻሂ( ቡን ) ዘበርክቶ ኣገልግሎት፡

  • ምኽሪ ፡ ሓፈሻዊ ማሕበራውን ካብ                          ካልእ ሃገራት ንዝመጹ ሰባት ምምኻር፡ ብዛዕባ ቁጠባውን ምምላስ ልቓሕን ዘርኢ ጉዳይ ምኽሪ ምሃብ፡ ኣብ ስራሕ ምድላይን ናብ ካልእ ቤትጽሕፈታት ዝጸሓፍ ኣፕሊኬሽን ምድላውን ምሕጋዝ።
  • ትምህርቲ ፡ ሓገዛት ኣብ ቛንቛ ምምሕያሽ ፡ ኣብ ኣጠቓቕማ ኢንተርነትን ኮምፕዩተርን ትሕገዙ። ብዛዕባ ኣእምሮኣውን ኣካላውን ጥዕና ምክንኻን ዝወሃብ ኣስተምህሮ። ከምኡ'ውን ምስ ዕድመ ምድፋእን እርጋንን ዝተተሓሓዘ ሓበሬታታት ምሃብ።
  • ትርፊ (ነጻ) ጊዜ ፡  ምኽሻን ፣ ኢደ ጥበብ፣ ሓቢርካ ቡን ምስታይ፣ ሓቢርካ ምዝዋርን ዝርኤ ናይ ስነጥበብን ባህላውን ቦታታት ምብጻሕን።
  • ምርኻብ (ርኽክባት)፡  ምልላይ ምስ ካልኦት ዝተፈላለዩ ማሕበራውን ህዝባውን ኣካላት ኣብ ከባቢና ዝርከቡ ስነጥበባውያን ወይ ተዋስእቲ ዝኾኑ ኣካላት ምስ ዝነኣሱን ዝዓበዩን ወለዶታት ምልላይን ምርኻብን።

ድልየት ናይዚ ቤት ሻሂ (ቡን) እዚ፡

  • ናይ ህይወት ምምሕያሽ፡ ማለት ዝበለጸ ህይወት ምንባር።
  • ምስ ዝተፈላለየ ባህልታትን ልምድታትን ምንባር።
  • ንጽምዋ ምውጋድ።
  • ኣብ ጊዜ እርጋን ካብ ቁጠባዊ ሽግር ምድሓን ወይ ምክልኻል።
  • ኣብ መዓልታዊ መነባብሮ ናይ ሓደሽቲ ዕድላት መዓጹ ምኽፋት።
  • ዕድመ ንዝደፍኡ ሰባት ኣብቲ ማሕበራዊ ናብራ ናይ ምስታፍ ዕድላት ምስፋሕን ምንቕቓሕን።

ተራኺብና ንኽንርእየኩም ደስታና እዩ
ሕብረት ሰራሕተኛታት ቤት ሻሂ ናይ ህይወት ድልየት (መቐረት ህይወት)

እዚ ፕሮጀክት (ስራሕ) " ካፈተርያ ናይ ምንባር ድልየት - ናይ ምኽሪ ምርካብን ምስታፍን" ሓደ ካብቲ ፕሮግራማት ተሳትፎ ናይ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ኣንጻር ጽምዋ ወይ በይንነት ከምኡ'ውን ማሕበራዊ ምንጻል ኮይኑ ብናይ ፈደራልያዊ ሚንስተር ንስድራቤት፣ ኣረጋውያን፣ ደቂኣንስትዮን መንእሰያትን፡ ከምኡ'ውን ብናይ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ማሕበራዊ ረድኤት ( ESF )  ዝመሓደር እዩ።

In Kooperation mit: